• ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (14 ጥሪ 2026)
    Jan 14 2026
    ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (14 ጥሪ 2026) * ኣብ ጽባሕ’ቲ ዓቢይ መዘራረቢ ኣርእስቲ ዝፈጠረ ምስጓግ ፍልስጤማዊት-ኣውስትራልያዊት ደራሲት ምውራድ ኩሎም ኣባላት ቦርድ ተኸቲሉ ቅነ ጸሓፍቲ ኣደላይድ ተሰሪዙ፣ * መንግስታዊ ተለቪዥን ኢራን ብሰንኪ’ቶም ጸረ’ቲ-ስርዓት ዝካየዱ ዘለዉ ተቓውሞታት ዝሞቱ ሰባት ንፈለማ እዋን ወግዓዊ ኣፍልጦ ሂቡ፡ * ምስንባት ካብ ኣምባሳደርነት ኣውስትራልያ ኣብ ኣሜሪካ ንቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኬቪን ራድ ቅጽበታዊ መወዳእታ ናይ’ቲ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዘሕለፎ ህይወት ክኸውን’ዩ፣
    Show More Show Less
    6 mins
  • How to cater for your dietary restrictions - ብምኽንያት ጥዕና ወይ ሃይማኖት ውሱን ዓይነት መግቢ ጥራይ ክትምገቡ ምስ ዝህልወኩም ከመይ ተማልእዎ?
    Jan 13 2026
    Australia is known as the allergy capital of the world. Our diverse population also means that we express our religious beliefs, ethics, health and personal choices through the food we eat. We called on some experts to help us navigate all the labelling, certifications and resources that can inform our food choices. - ኣውስትራሊያ ዋና ከተማ ኣለርጂ ተባሂላ ከምትፍለጥ ትፈልጡ'ዶ፧ ህላወ ብዙሕነት ኣብ ህዝብታታ ማለት ሰባት ሃይማኖታዊ እምነቶም፡ ስነምግባራቶም፡ ጠለባት ጥዕንኦምን ውልቃዊ ምርጫታቶምን ብመንገዲ'ቲ ዝምገብዎ መግቢ ይገልጽዎ። ኣብ'ዚ ትሕዝቶ ክኢላታት ብፍልጠት ዝተሞርኮሰ ምርጫታት መግቢ ክንገብር ዝሕግዙና ብዛዕባ ዝልጠፉ ኣስማት፡ መረጋገጺ ምስክር ወረቓቕቲን መሳለጥያታትን ከካፍሉና'ዮም።
    Show More Show Less
    12 mins
  • ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (13 ጥሪ 2026)
    Jan 12 2026
    ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (13 ጥሪ 2026) * ኣንቶኒ ኣልባነዚ ባይቶ ዝመጽእ ሶኑይን ሰሉስን ንስራሕ ክምለስ ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ * ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ኢማማት ኣውስትራልያ ጽልኢ እስልምናን ኣስላምን ዝመንቀሊኡ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣስላማይ ሃይማኖታዊ መራሒን በዓልቲ ቤቱን ኮኒኑ፡ * ኩነታት ባርዓት ሓዊ ኣብ ቪክቶርያ እናዘሓሉ ይኸዱ'ለዉ፣ እንተኾነ ግን እቲ ስግኣት ገና ኣይተወደአን፡ * ኣብ ኣሜሪካ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ኣቦ መንበር ፌደራል ሪዘርቭ (ማእከላይ ባንክ) ጀሮም ፓወል ገበናዊ መርመራ ከፊቶም፣
    Show More Show Less
    6 mins
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ጥሪ 2026)
    Jan 12 2026
    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ጥሪ 2026):- [ትሕዝቶታቱ] * ዜና ቡለቲን ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ * መዋእለ ህጻናት ኣብ ኣውስትራልያ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ሰሙን ነጻ ኮይኑ፣ * ጸብጻባት ልኡኽና [[ግብጺ ኣብ ጁቡቲ ውዕላት ወደብን ጸዓትን ድሕሪ ምፍራማ ድሕሪ ሰሙናት፡ ቀ/ሚ_ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ጅቡቲ ወደብ ዶራለህ ዑደት የካይድ፣ ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንምህናጽ ኣብ ቢሾፍቱ እምነ መሰረት ተነቢሩ፣ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ግን ነቲ ፕሮጀክት ብትሪ ይቃወሞ፣ ኤርትራ ፍሉይ ዘመናዊ ዲጂታዊ ስርዓተ ጉምሩክን ንግዲን ተተኣታቱ፣ ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ከቢድ መውጋእቲ ንዘለዎም 20 ተጋደልቲ ኣብ ወፃኢ ክሕከሙ ይልእኽ፣ ቻይና ወደብ ባሕሪ ምርካብ ብዘተን ዲፕሎማስን ክፍጸም ከምዘለዎ ተነጽር፣ መንግስቲ ሱዳን ናብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ይምለስ]] * ንትርጉም፣ ኣገባብ ኣበዓዕላን መልእኽትን ልደት ኢየሱስ ክርስቶስን በዓል ልደትን * በረኻታት፣ ጫካታትን ባሕርታትን ኣውስትራልያ ግዜ ወሲድኩም ከተስተማቕርዎም ምስ ትደልዩ እንታይ ትገብሩ፧ ምኽርታት ኣብ'ዚ ኣለኩም
    Show More Show Less
    53 mins
  • ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (12 ጥሪ 2026)
    Jan 12 2026
    ቀንዲ ነጥብታት ናይ'ዚ ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (12 ጥሪ 2026) * ኣብ ባርዓት ሓዊ ግዝኣት ቪክቶርያ ቀዳማይ ግዳይ ሞት ዝኮነ ሰብ ተረጋጊጹ * ፈደራል መንግስቲ ነቶም ብምቅጻል ዝተጠቕዑ ማሕበረሰባት ኣብ ግዝኣት ቪክቶርያ ዝኸውን ክፍሊታት ሕውየት ኣበጊሱ * ፈስቲቫል ጸሓፍቲ ኣደላይድ ምስ ውሳነ ምስራዝ ተሳትፎ ፍልስጢማዊት-ኣውስትራልያዊት ራንዳ ዓብደል-ፋታሕ ብዝተኣሳሰር እናዓበዩ ዝከዱ ሳዕቤናት: ሰለስተ ኣባላት ቦርዱ ከሲሩ * ኣብ ኣሜሪካ ዝነብር ወዱ ነቲ ዝተዓልወ ሻህ ናይ ኢራን ንሃገሩ ክምለስን ንምስግጋር ናብ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ክመርሖን ድሉው'የ ይብል
    Show More Show Less
    12 mins
  • ወደብ ባሕሪ ምርካብ ብዘተን ዲፕሎማስን ክፍጸም ኣለዎ (ቻይና)፣ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ቢሾፍቱ ንዝህነጽ ዝዓበየ መዓርፎ ነፈርቲ ይቃወም፣
    Jan 12 2026
    ጸብጻባት ልኡኽና (12 ጥሪ 2026) * ግብጺ ኣብ ጁቡቲ ውዕላት ወደብን ጸዓትን ድሕሪ ምፍራማ ድሕሪ ሰሙናት፡ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ጅቡቲ ወደብ ዶራለህ ዑደት የካይድ፣ * ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንምህናጽ ኣብ ቢሾፍቱ እምነ መሰረት ተነቢሩ፣ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ግን ነቲ ፕሮጀክት ብትሪ ይቃወሞ፣ * ኤርትራ ፍሉይ ዘመናዊ ዲጂታዊ ስርዓተ ጉምሩክን ንግዲን ተተኣታቱ፣ * ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ከቢድ መውጋእቲ ንዘለዎም 20 ተጋደልቲ ኣብ ወፃኢ ክሕከሙ ይልእኽ፣ * ቻይና ወደብ ባሕሪ ምርካብ ብዘተን ዲፕሎማስን ክፍጸም ከምዘለዎ ተነጽር፣ መንግስቲ ሱዳን ናብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ይምለስ፣
    Show More Show Less
    9 mins
  • በዓል ልደት ኣብ ኣስመራ፣ መቐለ፣ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ተኸቢሩ፣ ኤርትራ ተወሰኽቲ እሱራት ሃይማኖት ፈቲሓ፣
    Jan 8 2026
    ጸብጻባት ልኡኽና (8 ጥሪ 2026) * በዓል ልደት ብኣመንቲ ክርስትና ኣብ ኣስመራ፣ መቐለ፣ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ተኸቢሩ፣ * ኤርትራ፡ ተወሰኽቲ እሱራት ሃይማኖት ፈቲሓ * ኣብ ክልል ዓፋር ብዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ መኪና ልዕሊ 20 ተሰድድቲ ሞይቶም * ሶማሊላንድ ፍቓድ በረራ መንገዲ ኣየር ጅቡቲ ሰሪዛ
    Show More Show Less
    7 mins
  • እንቋዕ ናብ ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰላም ኣብጽሓና! ትርጉሙ፣ ኣገባቡን ዕላምኡን ግን ንፈልጦ ዲና፧ መብርሂ ካብ መራሕቲ ሃይማኖት
    Jan 7 2026
    ንኩልኹም በዓል ልደት ተብዕሉ ኣመንቲ ክርስትና ካብ’ዚ ካብ ኤስቢኤስ ትግርኛ እንቋዕ ኣብጽሓኩም ንብል። እዚ ንትርጉም፣ ኣገባብ ኣበዓዕላን መልእኽትን ልደት ኢየሱስ ክርስቶስን በዓል ልደትን ዝምልከት ትሕዝቶ'ዩ። ቅድሚ ሕጂ ቆሞስ ኣባ ዮሃንስ ከበደ ካብ ኣደላይድ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያንን መምህር ብሩክ ገብረሊባኖስ ካብ ደብረጽዮን ቅድስት ማርያም መልበርንን ካብ ዝሃቡና ሰፊሕ ትሕዝቶ ተጾሚቑ ዝቐርብ ዘሎ'ዩ።
    Show More Show Less
    10 mins