• ኣብ ኢራን ብኣመሪካን እስራኤልን ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲን ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኾሚኒ ድሕሪ ምቕታሉን፡ ኣብ ዓለም ዝተፈላለዩ ግብረ መልሲ ይወሃብ ኣሎ።(ዕለታዊ ዜና)
    Mar 2 2026
    ኣብ ኢራን ብ ኣመሪካን እስራኤልን ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኾሚኒ ድሕሪ ምቕታሉን፡ ኣብ ዓለም ዝተፈላለዩ ግብረ መልሲ ይወሃብ ኣሎ። ቤት ምኽሪ ኢንሹራንስ ኣውስትራሊያ በቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተጸልዉ ሰባት ናይ ጉዕዞ ውሕስና ኢንሹራንስ ከምዘይሽፍን ኣጠንቂቑ። ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ፡ ሞት ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ዝነበረ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ንምጽምባል ፡ ኣብ ፍደገ ኣብ ካንቤራ ዝርከብ ዕጹው ኤምባሲ ኢራን ተኣኪቦም ሓጎሶም ገሊጾም።
    Show More Show Less
    9 mins
  • ግብጽን ሱዳንን ብሓባር ኢትዮጵያ ኣብ ተፋሰስ ኣባይ “በይነኣዊ ስጉምትታት” ካብ ምውሳድ ክትቁጠብ ሓቲተን። (ጸብጻብ)
    Mar 1 2026
    ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝነብሩ ኤርትራውያን ልዕሊ 2 ነጥቢ 7 ሚልዮን ብር ንተመዛበልቲ ከተማ ዛላኣንበሳ ሓገዝ ምሃቦም ቢሮ ጉዳያት ከሙዩኒኬሽን ትግራይ ገሊጹ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ጉዕዞ ማእከላይ ምብራቕን፡ ካብን ናብን ጉዕዞ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገብሮ ዝነበረ በረራታት ዝምልከት ሓበሬታ ሂቡ። ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዲጂታላዊ መድረኻት ንግዲ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝግበር ምትሕልላፍ ገንዘብን ብክሪፕቶካረንሲን ዘይሕጋዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያን ኣዘርባጃንን ኣብ ሓባራዊ ምክልኻል ዝዓለመ ስምምዕ ተፈራሪመን። ግብጽን ሱዳንን ብሓባር ኢትዮጵያ ኣብ ተፋሰስ ኣባይ “በይነኣዊ ስጉምትታት” ካብ ምውሳድ ክትቁጠብ ሓቲተን። ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ፡ እስራኤል ኣብ ወደብ በርበራ ሶማሊላንድ ወተሃደራዊ መዓስከር ምቛማ ንዞባዊ ምርግጋእ “ቀጥታዊ ሓደጋ” ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
    Show More Show Less
    5 mins
  • Hillary Clinton testifies in Epstein investigation as Democrats claim cover up - ኣብ መርመራ ኤፕስቲን ዲሞክራታውያን ምሽፍፋን ኣሎ ክብሉ ይኸሱ፣ ሂላሪ ክሊንተን ቃላ ትህብ፣
    Mar 1 2026
    Political pressure is intensifying over the release of Jeffrey Epstein investigation files as Hillary Clinton appears before U-S leaders, and Democrats accuse the Justice Department of withholding key records. - ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ቅድሚ መራሕቲ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ዝቐረበትሉ፣ ብሰንኪ ምዝርጋሕ ሰነዳት ገበናዊ መርመራ ጀፍሪ ኤፕስቲን ፖለቲካዊ ጸቕጢ እናለዓለ ይኸይድ ኣሎ፣ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራት ድማ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ቁልፊ ዝኾኑ መዛግብቲ ሓቢእዎም ወይ ከየውጽኦም ተሪፉ ክብሉ ይኸሱ። እዚ ክትዕ፣ ኣብ ልዕሊ ሓያላት ሰባትን ናይ ቀደም ምሕዝነቶምን ምትእስሳራቶምን ዝግበር መርመራን ቆላሕታን ደጊሙ ኣበራቢርዎ’ሎ፣ እቲ ውድቀትን ውርደትን ድማ ካብ ዋሺንግተን ናብ ኤውሮጳን ዓበይቲ ግሎባዊ ትካላትን ሰጊሩ ይዝርጋሕ ኣሎ።
    Show More Show Less
    9 mins
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ለካቲት 2026)
    Feb 26 2026
    ን ሎሚ 26 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣብቲ ኣብ ታሪኽ ዝነውሐ መደረ ዝተሰምዓሉ ስቴት ኦፍ ዘ ዩኒዮን መደረ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ "ወርቃዊ ዘመን" ከም ዘላ ኣዊጁ ። ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ ኣለና። ምስ ኣቶ ፊልሞን ሓጎስ ዝገበርናዮ ዝርርብ ብዛዕባ ስደትን ኣብ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ዘስዕቦ ጉድኣትን ክንምለሶ ኢና። ልኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ኣርእስታት፡ ፕረዚደንት እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። ብተመሳሳሊ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ ዝነበረ ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘትዩ። ውድብ ወለዶ ትግራይ፡ ነቲ ሲቪልን ፖለቲካዊን ውድባት ትግራይ ብተመሳሳሊ ድምጺ ንዝተቓወሙዎ ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ንክእገድ ክሲ መስሪቱ። ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ትግራይ፡ ካብ ኢትዮጵያ ዝለኣኽ ዝነበረ ነዳዲ ከም ዝተቛረጸ ኣፍሊጡ። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ክንዮ ቅዲ: ዕብይት ፋሽን ናይ ቀዳሞት ህዝብታት ኣብ ኣውስትራሊያ ዝብል ኣርእስቲ ኣለዎ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ንኣውስትራሊያውያን ስድራቤታት ኣባላት ኢምባሲን ሰበስልጣንን ካብ እስራኤልን ሊባኖስን ክወጹ መምርሒ ሂቡ ። ኣብ ሶማል ብሰንኪ ነዊሕ ደርቂ 6.5 ሚልዮን ሰባት ብርቱዕ ጥምየት የንጸላልዎም ከም ዘሎ መንግስቲ ሶማልን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሊጦም ። ወከልቲ ናይዚ ዓመት "ዚ ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ ዘአንግዳ ከተማታት ፡ ካብቲ ፍጻመ ኣዋርሕ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን ፡ ናይ ከቢድ ጸጥታዊ ውሕስነት ስክፍታ ከም ዝስምዖም ገሊጾም።
    Show More Show Less
    47 mins
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ለካቲት 2026)
    Feb 26 2026
    ኣርእስታት ዜና፥ ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ንኣውስትራሊያውያን ስድራቤታት ኣባላት ኢምባሲን ሰበስልጣንን ካብ እስራኤልን ሊባኖስን ክወጹ መምርሒ ሂቡ ። ኣብ ሶማል ብሰንኪ ነዊሕ ደርቂ 6.5 ሚልዮን ሰባት ብርቱዕ ጥምየት የንጸላልዎም ከም ዘሎ መንግስቲ ሶማልን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሊጦም ። ወከልቲ ናይዚ ዓመት "ዚ ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ ዘአንግዳ ከተማታት ፡ ካብቲ ፍጻመ ኣዋርሕ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን ፡ ናይ ከቢድ ጸጥታዊ ውሕስነት ስክፍታ ከም ዝስምዖም ገሊጾም።
    Show More Show Less
    8 mins
  • ጸብጻብ ልኡኽና (26 ለካቲት 2026)
    Feb 25 2026
    ፕረዚደንት እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። ብተመሳሳሊ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ ዝነበረ ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘትዩ። ውድብ ወለዶ ትግራይ፡ ነቲ ሲቪልን ፖለቲካዊን ውድባት ትግራይ ብተመሳሳሊ ድምጺ ንዝተቓወሙዎ ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ንክእገድ ክሲ መስሪቱ። ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ትግራይ፡ ካብ ኢትዮጵያ ዝለኣኽ ዝነበረ ነዳዲ ከም ዝተቛረጸ ኣፍሊጡ።
    Show More Show Less
    9 mins
  • ኣብ ታሪኽ ዝነውሐ መደረ ዶናልድ ትራምፕን ቀንዲ ትሕዝቶኡን
    Feb 25 2026
    ኣብቲ ኣብ ታሪኽ ዝነውሐ መደረ ዝተሰምዓሉ ስቴት ኦፍ ዘ ዩኒዮን መደረ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ "ወርቃዊ ዘመን" ከም ዘላ ኣዊጁ ። እቲ ፕረዚደንት ብዛዕባ እቲ ዝተረኽበ ዓወቱ ብሓበን ብምግላጽን ፡ ናይ ዝመጽእ ዓመት ኣጀንዳኡ ብምግላጽን እቲ ንኽልተ ሰዓት ዝኸውን ዝተገብረ መደረ ፡ ብዜደንጹ መገዲ እዩ ተዛዚሙ ፣
    Show More Show Less
    7 mins
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ለካቲት 2026)
    Feb 25 2026
    ** ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ሓድሽ እገዳ ብምግባር ንዩክሬን ዝገብሮ ደገፍ ከምዝቕጽሎ ኣፍሊጡ... ** ድሕሪ ስግ ኣት መጥቃዕቲ ቦምባ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ መንበሪኡ ተመሊሱ... *** በዓል መዚ ሚድያ ኢትዮጵያ፡ “ስነ-ምግባር ሚድያ፣ ሕግታት ኢትዮጵያን ሃገራዊ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ጸብጻባት ክዝርግሕ ጸኒሑ” ብዝብል ካብ 24 ለካቲት 2026 ዓ.ም ጀሚሩ፡ ናይ ስራሕ ፍቓድ ማዕኸን ዜና ‘ኣዲስ ስታንዳርድ’ ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ።
    Show More Show Less
    6 mins