SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ cover art

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

By: SBS
Listen for free

About this listen

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።Copyright 2025, Special Broadcasting Services Politics & Government Social Sciences
Episodes
  • ኣብ ኢራን ብኣመሪካን እስራኤልን ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲን ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኾሚኒ ድሕሪ ምቕታሉን፡ ኣብ ዓለም ዝተፈላለዩ ግብረ መልሲ ይወሃብ ኣሎ።(ዕለታዊ ዜና)
    Mar 2 2026
    ኣብ ኢራን ብ ኣመሪካን እስራኤልን ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኾሚኒ ድሕሪ ምቕታሉን፡ ኣብ ዓለም ዝተፈላለዩ ግብረ መልሲ ይወሃብ ኣሎ። ቤት ምኽሪ ኢንሹራንስ ኣውስትራሊያ በቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተጸልዉ ሰባት ናይ ጉዕዞ ውሕስና ኢንሹራንስ ከምዘይሽፍን ኣጠንቂቑ። ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ፡ ሞት ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ዝነበረ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ንምጽምባል ፡ ኣብ ፍደገ ኣብ ካንቤራ ዝርከብ ዕጹው ኤምባሲ ኢራን ተኣኪቦም ሓጎሶም ገሊጾም።
    Show More Show Less
    9 mins
  • ግብጽን ሱዳንን ብሓባር ኢትዮጵያ ኣብ ተፋሰስ ኣባይ “በይነኣዊ ስጉምትታት” ካብ ምውሳድ ክትቁጠብ ሓቲተን። (ጸብጻብ)
    Mar 1 2026
    ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝነብሩ ኤርትራውያን ልዕሊ 2 ነጥቢ 7 ሚልዮን ብር ንተመዛበልቲ ከተማ ዛላኣንበሳ ሓገዝ ምሃቦም ቢሮ ጉዳያት ከሙዩኒኬሽን ትግራይ ገሊጹ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ጉዕዞ ማእከላይ ምብራቕን፡ ካብን ናብን ጉዕዞ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገብሮ ዝነበረ በረራታት ዝምልከት ሓበሬታ ሂቡ። ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዲጂታላዊ መድረኻት ንግዲ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝግበር ምትሕልላፍ ገንዘብን ብክሪፕቶካረንሲን ዘይሕጋዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያን ኣዘርባጃንን ኣብ ሓባራዊ ምክልኻል ዝዓለመ ስምምዕ ተፈራሪመን። ግብጽን ሱዳንን ብሓባር ኢትዮጵያ ኣብ ተፋሰስ ኣባይ “በይነኣዊ ስጉምትታት” ካብ ምውሳድ ክትቁጠብ ሓቲተን። ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ፡ እስራኤል ኣብ ወደብ በርበራ ሶማሊላንድ ወተሃደራዊ መዓስከር ምቛማ ንዞባዊ ምርግጋእ “ቀጥታዊ ሓደጋ” ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
    Show More Show Less
    5 mins
  • Hillary Clinton testifies in Epstein investigation as Democrats claim cover up - ኣብ መርመራ ኤፕስቲን ዲሞክራታውያን ምሽፍፋን ኣሎ ክብሉ ይኸሱ፣ ሂላሪ ክሊንተን ቃላ ትህብ፣
    Mar 1 2026
    Political pressure is intensifying over the release of Jeffrey Epstein investigation files as Hillary Clinton appears before U-S leaders, and Democrats accuse the Justice Department of withholding key records. - ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ቅድሚ መራሕቲ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ዝቐረበትሉ፣ ብሰንኪ ምዝርጋሕ ሰነዳት ገበናዊ መርመራ ጀፍሪ ኤፕስቲን ፖለቲካዊ ጸቕጢ እናለዓለ ይኸይድ ኣሎ፣ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራት ድማ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ቁልፊ ዝኾኑ መዛግብቲ ሓቢእዎም ወይ ከየውጽኦም ተሪፉ ክብሉ ይኸሱ። እዚ ክትዕ፣ ኣብ ልዕሊ ሓያላት ሰባትን ናይ ቀደም ምሕዝነቶምን ምትእስሳራቶምን ዝግበር መርመራን ቆላሕታን ደጊሙ ኣበራቢርዎ’ሎ፣ እቲ ውድቀትን ውርደትን ድማ ካብ ዋሺንግተን ናብ ኤውሮጳን ዓበይቲ ግሎባዊ ትካላትን ሰጊሩ ይዝርጋሕ ኣሎ።
    Show More Show Less
    9 mins
No reviews yet
In the spirit of reconciliation, Audible acknowledges the Traditional Custodians of country throughout Australia and their connections to land, sea and community. We pay our respect to their elders past and present and extend that respect to all Aboriginal and Torres Strait Islander peoples today.