ዕላልና ፖድካስት cover art

ዕላልና ፖድካስት

ዕላልና ፖድካስት

By: Senait and Rozina
Listen for free

About this listen

እንቛዕ ናብ ዕላልና ፖድካስት ብደሓን መጻእኩም፤ አብዚ ፖድካስት ኩሉ ነቕርቦ መደባት ብቛንቛ ትግርኛ እዩ፤ :

ብዛዕባ አብ ስደት ከጋጥሙና ዝኽእሉ ብድሆታትን ብኸመይ ንገጥሞን ከአ ትምህርን ትምዕድን፤፤

አበይ ተወሊድና ብዘይገድስ፤ አስመራ፤ አዲስ አበባ፤ መቐለ፤ ካልእ ከተማታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፤ ወይ አብ ስደት አብ ካልእ አፍሪካን፤ ንኹሉ ተዛራባይ ትግርኛ ተማእክል ፖድካስት እያ፤፤

አብዚ ፖድካስት ዝተፈላለየ አብ ህይወት ክጠቕሙናን ክምህሩና ዝኽእሉ ዛዕባታት ሒዝና ክንቀርብ ኢና፤፤ ናብራ ስደት ንኽንምክቶ ዝተቕሙና ጥበባት፤ ባህሊ፤ አተዓባብያ ቆልዑ፤ እምነት፤ ወግዕታትን ክብርታትን ዝተፈላለዩ ሕብረተሰባት፤ መንነት፤ ብፍቕሪ ምንባርን አፈታትሓ ግጭት ካልእን ሒዝና ክንቐርብ ኢና፤፤

ኩሉ ነቕርቦ መዳባት ከአ ንምሕያልን ምህናጽን አብ ስደት ንዘለና ዝዓለመ እዩ፤፤

ታሪኽ ዝተፈላለዩ ሰባት ብምምጻእ፤ ክሃንጹናን ዉሽጥና ክፍዉስና ዝኽእሉ መሰጥቲ ዕላላትን ምኽርታትን ዉን ከነቕርብ ኢና፤፤

ቡንኩም ወይ ሻሂኩም ሒዝኩም ምሳና ብሓባር ከተምስዩ ከአ ንዕድመኩም፤፤

Copyright 2026 All rights reserved.
Social Sciences
Episodes
  • ጥበብ # 6 ርእሰ ተኣማምነት
    Feb 16 2026

    ጥበብ # 6 ናብራ ስደት ንብድሃሉ መንገዲ ኣብ ገዛእ ርእስና ምትእምማን እዩ።

    እዚ ጥበብ ከ ከመይ ጌርና ኢና ነጥርዮ፧

    ኣብ መንጎ ርእሰ ምትእምማንን ትዕቢትን ዘሎ ፍልልይ ከ እንታይ እዩ፧

    Show More Show Less
    51 mins
  • ጥበብ # 5 ኣብ ገንዘብ ዘለና ኣረኣአያን ርድኢትን ምምዕርራይ
    Feb 9 2026

    ጥበብ # 5 ናብራ ስደት ንብድሃሉ መንገዲ ኣብ ገንዘብ ዘለና ርድኢትን ኣረኣእያን ምምዕርራይ እዩ።

    እዚ ጥበብ ከ ከመይ ጌርና ኢና ነጥርዮ፧

    Show More Show Less
    1 hr and 3 mins
  • ጥበብ # 4 ናይ ሞራልን ደገፍን ዙሪያና ምዕባይ
    Feb 2 2026

    ጥበብ # 4 ናብራ ስደት ንብድሃሉ መንገዲ ናይ ሞራልን ደገፍን ዙሪያና ምዕባይ እዩ።

    እዚ ጥበብ ከ ከመይ ጌርና ኢና ነጥርዮ፧

    Show More Show Less
    45 mins
No reviews yet
In the spirit of reconciliation, Audible acknowledges the Traditional Custodians of country throughout Australia and their connections to land, sea and community. We pay our respect to their elders past and present and extend that respect to all Aboriginal and Torres Strait Islander peoples today.